News

Gumaye Foundation has successfully delivered food assistance to the Histast IDP Camp!!

The video and photos shown below demonstrate the support that Gumaye Foundation collected from our community in the form of cash and in-kind contributions, and delivered as food and non-food items to displaced people at the Histast IDP Camp.

Accordingly, we extend our sincere respect and gratitude to all staff members and individuals—both from within our organization and outside it—who contributed financially, coordinated this support, mobilized resources, and personally ensured that the assistance reached the beneficiaries.

Gumaye Foundation firmly believes that you will continue to stand by our side and alongside our displaced brothers and sisters in the future as well. Gumaye Foundation will not limit its assistance only to the Histast IDP Camp. From now on, all IDP camps in Tigray will be addressed as one large project. This will be achieved by mobilizing our community, to the best of its ability, to deliver various types of assistance to all IDP camps.

We respectfully invite you to continue standing with our organization in this noble initiative and action. Gumaye Foundation is a public (community-based) organization.

ጉማየ ፋውንዴሽን ንሕፃፅ ተመዛበልቲ IDP ካምፒ ናይ ምግቢ ሓገዝ ተበፃሒ ገይሩ!! 

———————

እቲ ኣብ ታሕቲ ብቪድዮን ፎቶን ንርእዮ ዘለና ትካል ጉማየ ፋውንዴሽን ካብ ማሕበረሰብና ኣተሓባቢሩ ብገንዘብን ዓይነትን ዝኣከቦ ሓገዝ ብመልክዕ ምግቢን ብዓይነትን ንተመዛበልቲ ሕፃፅ ካሞፒ እተብፅሕ ዘርኢ ቪድዮ እዩ። ስለዝኾነ ካብ ዘላትኩም ገንዘብ ቐኒስኹም ንሕፃፅ ተመዛበልቲ ካምፒ ወገናትና ኢልኹም ሓገዝ ዝገበርኹም፣ ነዚ ሓገዝ ዘተሓባበርኹም፣ ዘንቀሳቀስኹምን ብኣካል ናብ ተጠቀምቲ ክበፅሕ ዝገበርኹምን ኹልኹም ናይ ትካልናን ካብ ትካልና ወፃኢን ዝኾንኹም ሰራሕተኛታትን ውልቀሰባትን ብቅደም ሰዓብ ክብርን ምስጋናን ይግበአኩም። ንቀፃሊ እውን ኣብ ጎኒናን ኣብ ጎኒ ተመዛበልቲ ወገናትናን ጠጠው ከምትብሉ ትካልና ጉማየ ፋውንዴሽን ፅኑዕ እምነት ኣለዎ። ጉማየ ፋውንዴሽን ኣብ ናይ ሕፃፅ ተመዛበልቲ ካምፒ ሓገዝ ጥራሕ ተወሲኑ ኣይተርፍን። ካብ ሐዚ ንድሓር ኣብ ትግራይ ዘለዋ IDP ካምፒታት ከም ሓደ ዓብዩ ፕሮጀክት ክሕዘን እዩ። እዚ ዝኸውን ግን ማሕበረሰብና ብምንቅናቅ ብዝኻኣሎ ኣገባብ ኣብ ኹለን ናይ ተመዛበልቲ ካምፕታት ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ሓገዝ ተበፃሒ ክገብር እዩ። ኣብዚ ሰናይ ተበግሶን ተግባርን ምስ ትካልና ጠጠው ክትብሉ ብክብሪ ንፅውዕ። ጉማየ ፋውንዴሽን ህዝባዊ ትካል እዩ።

The University of Toronto Scarborough (UTSC), Canada, and the Gumaye Foundation (GF), Ethiopia, signed a mutual agreement to catalogue various Gə’əz Manuscripts from Eastern Tigray, Northern Ethiopia. The medieval texts were already digitised by the university’s project years ago and preserved at the University of Toronto Scarborough Campus (UTSC) Library. Gumaye Foundation (https://gumayefoundation.org/) is expected to pursue a comprehensive professional description, dating, and analysis of the manuscripts. And the UTSC library is responsible for preserving and making all digital copies of precious heritage objects freely accessible online to the public.Lorem ipsum dolor sit amet, consectetur adipiscing elit. Ut elit tellus, luctus nec ullamcorper mattis, pulvinar dapibus leo.

ጉማየ ፋውንዴሽን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብፍላይ ሰሜን ኢትዮጵያ (ትግራይ) ትኹረት ብምግባር፣ ማሕበረ-ኢኮነሚያዊ ፀገማት ንምፍታሕን እሤተ ሰብእ ንምሕብሓብን ኣስተዋፅኦ ንክገብር ብምዕላም ብኢትዮጵያ ስቪል ማሕበረሰብ ድርጅት ባለስልጣን ፍቓድ ተውሂቡዎ ልንቀሳቐሰ ሕጋዊ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ምስ ዝተፈላለዩ ኣሕዋትን ኣሓትን ተጋሩ (ብፍላይ ዲያስጶራ) ብምትሕብባር፣ ኣብ እዞም ዝሰዕቡ ጉዳያት ድጋፍ ገይሩ።

1. ድርቂ ዞባ ደቡባ (ብፍላይ ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ጨርጨር፣ እንዳሞኾኒ)

2. ድርቂ ዞባ ደቡብ ምብራቕ (ኹለን ወረዳታት)

3. ድርቂ ኣፅቢ  

4. ተፈናቐልቲ (IDP) ኮረም-ኣላማጣ ኣብ ሞኾንይ ማጨውይ

5. ተፈናቐልቲ ሽኸት

6. ተምሃሮ ቤት ት/ቲ ዋልዋ (ተምቤን)

7. ፍርሳ ድራማ ፈንድ ገይሩ

8. ኣርቲስታት ማሕሌተ ጉማየ መበረታተዒ ገንዘብ ለጊሱ

9. ልዑል ነጥቢ ዘምፅኡ 12 ክፍሊ ተጋሩ ተምሃሮ ሸሊሙ።

10. ፅርጊያ ዓዲሾሁ ሞኾኒ ዝተወሰነ ገንዘብ ኣዋፍዩ።

11. ንኽልተ ፀሓፍቲ ትግርኛ መፅሓፍ ኣበረታቲዑ

ብሓፈሽኡ፣ ልዕሊ 5,000,000.00 (ሓሙሽተ ሚልዮን) ብር ድጋፍ ገይሩ። ኣብቲ ጉዳይ ድርቂ ጥራሕ ንልዕሊ 2000 ስድራ ተጋሩ ብጥረ ገንዘብ ድጋፍ ገይሩ። ዓሚ እዚ ኹሉ ንክዋፃእ ዝገበርኹም/ኽን ኣሕዋት ምስጉናት ኹኑ። 

ሐዚ ድማ ብሓድሽ መንፈስ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ገዛ ተካሪዩ ቢሮ ብምኽፋት፣ ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ብምቑፃር ስሩዕ ትካላዊ ስርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ እዙይ ሰናይን ትካላውን ዕላማ ንምብርትታዕ፣ እቲ ትካል ኣፀቢቑ እግሪ ንኽተክል ኹሉ ዝከኣሎ ንክሕግዝ ብስም ህዝብና ብትሕትና ንሓትት። ንእትገብርዎ ድጋፍ ኹሉ ኣቐዲምና ነመስግን። 

መተሓሳሰቢ

1. ዝኾነ ሓገዝ ናብ ናይ ውልቀ ኣክውንት ምስዳድ ኣይፍቀድን። ናብቲ ፋውንሼን ትካላዊ ኣካውንት ጥራሕ

2. ብዝተኽኣለ መጠን ንሓገዝኹሞ ደረሰኝ ናብ ceo@gumayefoundation.org ወይ ድማ ናብ om@gumayefoundation.org ክትልእኽዎ ብትሕትና ንሓትት።